ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ናብ ቃልሲ ተፀንቢሮም

ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ናብ ቃልሲ ተፀንቢሮም

ህዝቢ ዓፋር ፋሽሽታዊ ጉጅለ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ተመንጢሉ ብምስለነ እቲ ጉጅለ ክመሓደርን ካብ ጉዕዞ ልምዓት ቦኺሩ ኣደዳ ድሕረትን ድኽነትን ኮይኑ ይርከብ፡፡ ኣንፃር እዚ ፋሽሽታውን ግፍዐኛን ስርዓት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድማ ተወለድቲ ዓፋር ናብ ግምባር ይፅምበሩ ኣለዉ፡፡ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ኣንፃር እዚ ስርዓት ተሰሊፎም ኣብ ቃልሲ ይርከቡ፡፡

ሓጂ ስዩም ኣወል ስርዓት ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዘብፅሖ ዘሎ ግፍዕን ጨፍጫፍን ተቓዊሞም ናብ ቃልሲ ከም ዝተፀንበሩ ብፍሉይ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም ፡፡

ፋሽሽታዊ ስርዓት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር መንገድን ማዕኸናት መራኸብን ብምዕፃው ስዒቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ሓቢሮም፡፡

ፋሽሽታዊ ስርዓት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣንፃር ህላወን መሰል ዓርሰ ውሳነን ህዝብታት ዝተልዓለ ምዃኑን ህዝቢ ዓፋር ብፍላይ ድማ መንእሰይ ዓፋር ነዚ ተረዲኡ እቲ ስርዓት ሓመድ ድበ ክሳብ ዝኣቱ ብዕቱብ ክቃለስ ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ዓፋር ህላወኡ ኣረጋጊፁ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብዝመረፆ መንግስቲ ክሳብ ዝመሓደርን ዘላቒ ጥቕምታቱ ክሳብ ዝረጋገፅን እቲ ቓልሲ ቐፃሊ ከም ዝኾነ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ሓቢሮም፡፡

ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ካብ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ርክባት ብዝዘለለ ንምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተገበረ መሪር ቃልሲ ብሓባር ከም ዝቆሰሉን ዝተሰወኡን ዝሓበሩ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ብሃማኖትን ታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ምዃኖም እውን ገሊፆም፡፡

ብማቸ ደበሳይ
Tigrai Television
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Published by ወያናይ ትግራይ ሚዲያ

This Websites for the support of the people of Tigray and for the various ideas on the human and democratic rights of all Ethiopian nationalities.the equality of the Ethiopian people has always been a victory for the TPLF and the people of Tigray. Therefore, we will only distribute the TPLF’s contribution to the country to our people. We will discuss various realities of the people of Tigray as well as the heroism of Tigray and the positive issues we need to support for our government in Tigray. The heroism of the TPLF, the TPLF is a real and heroic party built by political elites who will not betray the country and sell it to the enemy.

Leave a comment